እቲ ቭሮልጅክሂድ

እቲ ቭሮልጅክሂድ

De Vrolijkheid

እቲ ቭሮልጅክሂድ (እቲ ብሄራዊ ናይ ሕጉስነት መተባብዒ ትካል) ናይ ጥበብ ሞያተኛታትን ናይ ባህሊ ኣዳለውቲ መራኸቢ እዩ፡፡ ናይ ጥበብ ፕሮጀክታት ኣብ ደች ኤዚሲስ (ናይ ጽግዕተኛታት ማዕከል) ምስ ቆልዑ ፣ መንእሰያት ፣ ናቶም ወለድታትን ምስ ብዙህ ፍቓደኛታት ብሓባር ብምኳን እነምዕብል፡፡

ሳዕስዒት ፣ ቲያትር ፣ ሙዚቃ ፣ ሓዱሽ ሚድያን ዝራዓዩ ጥበባት ታሪኻት ወይ ዛንታታት ንምሕናፅ እንጥቀመሎም መሳርሒታት እዮም፡፡ ሕጉስ ቦታታት ኣብ ሓዲሽ ተመክሮታት ንምስታፍን ናይ ሓደ ክእለት ንምርኻብን  የተባብዑ፡፡

ልኡኽ

ናይ ጥበባዊ ተሞክሮታት ብምድላው ኣብ ደች ኤዚሲስ / Dutch azc’s  ንዝነብሩ  ቆልዑ ፣ መንእሰያትን ስድራታቶም ምዕባለን ምብርትታዕን ኢንቨስት ወይ ፈሰስ እንገብር፡፡

 

ራእይ

ማህበረሰብና ኣብ ደች ኤዚሲስ / Dutch azc’s ዝነብሩ መንእሰያት እንኳዕ ዳሕና መፃኹም ኢሉ ከቕበሎም ከምዘለዎ እንኣምን ፤ ንሕና ብሓባር ኣብ ማዕረ መበገሲ ብምስራሕ ኣርኣያ ክንከውን እንደልይ፡፡በዚ መገዲ መንእሰይ ጽግዕተኝነት ደለውቲ ናብ ማሕበረሰብና ዝገብርዎ ምትሕውዋስ ወይ ሓቓፍነት ማሕበረሰብና ክነመሓያይሽ እንደልይ፡፡